ቤት ምኽሪ ክልል ሱማሌ ዓመታዊ በጀት 2013 ዓ.ም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመታትን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ሱማሌ ሓምሻይ ዓመት መበይ 11 ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ጉባኤ፥ ዓመታዊ በጀት 2013 ዓ.ም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመታትን ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ ዓመታዊ በጀት 2013 ዓ.ም እቲ ክልል 22 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ንክኸውን ኣፅዲቑ ኣሎ።

ካብቲ ዓመታዊ በጀት እቲ 17 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ካብ መንግስቲ ፌዴራል ብዝርከብ ድጎማ ዝሽፈን እንትኸወን፥ ዝተረፈ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ድማ ብናይቲ ክልል ውሽጣዊ ኣታዊ ዝሽፈን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተርን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ።

ሹመት 8 ዳያኑ እውን ዝቐረበ እንትኸውን፥ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ዝቐረበ ሹመት ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣወዳድባ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ኣዋጅ ምምሕዳር ግብሪ እቶትን ንምዘና ስራሕን ኣወሃህባ ውፅኢትን(JEG) ዝተሓተተ ተወሳኺ በጀተን ከምዘፅደቐ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment