ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ 7 ኣንፈታት መፍትሒ ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሐሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ 7 ኣንፈታት መፍትሒ ኣቐሚጡ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ ሓዊሱ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባ ምምሕዳራት ከተማ፣ ሚኒስትራት፣ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ኣንፈታት ኣቐሚጡ።

  1. ካብ ተፈጥሮ ሓደጋ ወፃእ ዘለዉ ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ መረበቶም ብምምላስ፣ ንፍሪያትን እግሪ ምትካልን ኣብ ዝኸውን ናይ ትኹረት ኣንፈት ምስራሕ
  2. ዝፀፈፈ መረዳእታ ተሓገዝቲን ደለይቲ ደገፍን ዜጋታት ብምሓዝ፥ ውልቀ ማህደሮም ብጥንቃቐ ብምፍላይ ወዲብካ ምቕማጥ
  3. ሃፍቲ ብምእካብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ካብ ዘርኣዩ ክልላት ተመክሮ ብምውሳድ ትቐራራቢ ዝኾነ ኣፈፃፅማ ንምብፃሕ ምስራሕ
  4. ቅፅበታዊ ሓደጋታት ክፈጥሩ ከመዝኽእሉ ተሓሳቢ ብምግባር ዝተዋደደ ንቕሓተ ሒሊና ብምሓዝ ምድላውን ማዕቐፍ ሕጊ ኣጠቓቕማ መሬት ምትእስሳር ከምኡውን ብምኽኒያት ዝናብ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት ምፍላይ
  5. ብምኽኒያት ሓደጋ ተፈጥሮ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዘላቒ ዝኾነ መፈትሒ ኣብ ውሽጢ ትልሚ ብምክታት፣ ናይቲ ሓደጋ ቀጥታዊ ተጎዳእቲ ኣብ ማዕቐፍ ምክታት
  6. ናይ ምርድዳእ፣ ምድግጋፍን ባህሊ ሕውነት ምጥንኻር
  7. ትልሚታት ብእዋኑ ብምዝዛም ዝተጓተቱን ዝተንጠልጠሉን ስራሕቲ ምቕራፍ ከምኡውን ኣብ ቀፃሊ ካብ ምድላው ምዕራፍ ጀሚሩ ብዝፀረየ ትልሚ ምፍፃም
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment