ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣብ ኣዋናዊ ጉዳያት ድሕንነት ኣድሂቡ ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣብ ኣዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነት ኣድሂቡ ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃቀኑ፣ ዝፈሸሉን ጉድኣት ዘብፅሑን ብሄራዊ ስግኣታት ድሕንነት ብዝርዝር ተመልኪቱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዉ እዋናዊ ጉዳያት ድሕንነት ብዝርዝር ዝገምገመ እንትኸውን፥ እቶም ስግኣታት ኣብ ቀፃሊ ብዝተዋደደ መልክዑ ምቁፅፃር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ከምዝተዛተየ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ሉኣላዊነት ሃገር፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምሕላውን ልዕልነት ሕጊ ንምኽርን መንግስቲ ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ።

እዚ ንምግሃድ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሓዊሱ ኩሎም ትካላት ድሕንነትን ፀፅታን ክሳብ ሕዚ እናሰርሑዎ ዝርከቡ ፃዕሪን መስዋእትነትን ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እቲ ቤት ምኽሪ ኣረጋጊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment