ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ፅባሕ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከሳልጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራC 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ፅባሕ 1 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከምዘሳልጥ ርክብ ህዝብን ግልጋሎት ኮንፈረንስ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።

ርክብ ህዝብን ግልጋሎት ኮንፈረንስ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዝገለፆ፥ ብምኽንያት ዓለምለኸ ተላቫዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና 5ይ ዘበን መበል 19 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ኣብ ዝተተኸላ ሸሞንተ ማእኸላት ቴሓር /ICT/ ክሳለጥ እዩ።

እቶም ጉባኤተኛታት ህዝቢ ካብ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪደ-19) ንምክልኻል ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ዓ.ም ተቐቢሎም ከፅድቑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ካብ ደገ (ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ) ናብቲ ክልል ምስ ዝኣተው ተጓዓዝትን ቅድም ክብል ኣብ ውሽጢ ክልል ዝተቐመጠ ምንቅስቓስን ተኣሳሲሩ ዝግበሩ ምምሕያሻትን ሓደሽቲ ውሳነታትን ተቐቢሉ ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ፍልፍል፣ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment