ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግሰታት ሓደሓደ ሃገራት ከም መፈፀሚ ፖለቲካዊ ዛዕባአን ምጥቃመን ከምዘሕዘና ኢትዮጵያ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግሰታት ሓደሓደ ሃገራት ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ናይ ባዕለን ፖለቲካዊ ዛዕባ ንምሱጋም እናተጠቐማሉ ኢየን ክብል” ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እዚ ኩነታት ኣዚዩ ከምዘሕዘኖ እውን እቲ ሚኒስቴር ትናሊ ምሸት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገሊፁ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግሰታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ተፈፂሞም ኣብ ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ብሓባር መፅናዕቶን ምርመራን ገይሮም ሓበራዊ ሪፖርተ ምውፀኦም እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ነቲ ውፅኢት ሓበራዊ ጸብፃብ ናይቶም ትካላት ተቐቢሉ ላዕለዎት ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ኣጣይሹ ምኽ ሓሳባት ንምትግባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

እዚ ኮይኑ እናሃለወ ሓደሓደ ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ናይ ባዕለን ፖለቲካዊ ዛዕባ ብመሓዝን እቲ ዛዕበአን ድማ በቲ ቤት ምኽ ኣቢለን ንምፍፃም እቲ ቤት ምኽሪ ፍሉይ ኣኼባ ንኽገብር እናፀዋዓ ከምዝኾና ገሊፁ።

እዚ ጉዳይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ከምዘሕዘኖ ኢዩ ዝሓበረ።

“እኳኣስ እቲ ቤት ምኽሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈፀሞም ኣዚዮም ዘስካሕኽሑ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ዛዕባ ገይሩ ክዛተን ክኹኖን መተገበአ ነይሩ” ኢሉ።

ኣባል ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ እውን ነዚ ናይ ዝተወሰና ሃገራት ፖለቲካዊ ድሌት ዝተሓንገጠ ፍሉይ ኣኼባን ውፅኢቱን ብጥብቂ ክቃወማ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ መግለፂኡ ሓቲቱ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ሕጊ መሰረት ብምግባር ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር፣ ክኽበር ንምግባርን ንምምላእንዘለዎ ቆራፅነት ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪን ንማሕበረሰብ ዓለምን ከረጋግፅ ይፈቱ” ክብል እውን ኣገንዚቡ።

Top of Form

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment