ቤት ምኽሪ ሰላም ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንበዓላት ዳሜራ፣ መስቀልን ኢሬቻን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሰላም ምምሕር ኣዲስ ኣበባ ንበዓላት ዳሜራ፣ መስቀልን ኢሬቻን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ እቶም በዓላት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ሰላምን ምትሕብባርን ህዝቢታት ንኽቕፅ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ካብ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ብምዃን ዝተፈላለዩ ንዕቤት ሰላም ዝሕግዙ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ፅባሕን ቀፃሊ ሰሙንን ዝኽበሩ በዓላት ዳሜራ፣ መስቀልን ኢሬቻን ብሰላማዊ መገዲ ንኽኽበሩ እቲ ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቡ።

ሕብረተሰብ እቶም በዓላት ኣብ ዘኽብረሉ እዋን ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተኸላኸለ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሚኒስትር ጥዕና ዘውፀኦም መምርሒታት ምኽታል ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment