ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኢ/ር ታከለ ኡማ ህያብ ኣፍልጦ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሓምለ ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ ንዝፈፀምዎም እወንታዊ ስራሕቲ ህያብ ኣፍልጦ ኣበርኪቱሎም።

እቶም ምክትል ከንቲባ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝስርሑ ስራሕቲ ነበርቲ እታ ከተማ ዘተኮሩ ንክኾኑ ኣብ ምግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብምዕማሞምን ዘካሪ ስኢኖም ንዘበናት ዝተዓፀዉ ክፋላት ማሕበረሰብ ማእኸል ብምግባር ንዝሰርሕዎ ስራሕቲን ብምርኣይ እቲ ሽልማት ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ታሪኻውን መስሕብ ቱሪዝምን ዘጉልሁ ከምኡ እውን ፀገም ነበርቲ ዝፈትሑን ኢኮኖሚያዊ ግደ ዘለዎምን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምጅማር ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንክዛዘሙ ምግባሮም ከምእወንታ ተላዒሉ።

ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ንዝመሃሩ ተምሃሮ ምግቢ፣ ናውቲ ትምህርቲን “ዲቪዛን” ንክቐርብ ዘኽእል ኣመራርሓ ምሃቦምን እቲ ስራሕ ትካላዊ ንክኸውን ምግባሮምን ነቲ ሽልማት ከም መበገሲ ምኽኒያት ተገሊፁ።

ብድምር ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ንዝነብሩ ነበርቲ ይኹን ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ንዝነብሩ ሓረስቶት ስምዒት በዓል ዋናነት ብምፍጣር፥ ዕብየት እታ ከተማ ንኹሉ ብዘካተተ መገዲ ንክኸውን ኣብ ምግባር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንዝነበሮም እወንታዊ ውፅኢት እቲ ቤት ምኽሪ ሽልማት ኣበርኪቱሎም ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment