ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዳግማዊት ሞገስ፣ ታከለ ኡማ፣ ኡመር ሁሴንን ተፈሪ ፍቅሬን ብኽብሪ ሰኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዳግማዊት ሞገስ፣ ታከለ ኡማ፣ ኡመር ሁሴንን ተፈሪ ፍቅሬን ብኽብሪ ሰኒዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ተረኺቦም።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንኣርባዕቲኦም ኣባላት ቤት ምኽሪ ቀፃሊ ጉዕዘኦም ዕዉት ንክኸውን ምምናዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን፣ ኢንጅነር ታከ ኡማ ሚኒስትር ማዕድን ፣ ኣይተ ኡመር ሁሴን ሚኒስትር ግብርና ከምኡ እውን ኣይተ ተፈሪ ፍቅሬ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ብምዃን ሃገሮም አንተገልግሉ ፀኒሖም ኢዮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment