ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 41 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
እቶም ውሳነታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-
- እቲ ቤት ምኽሪ ፈለማ ዝተዛተየ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንመመሓሺ ፕሮጀክት ዘበናዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ኢትዮጵያ መፈፀሚ 53,300,000.00 ኤስ.ዲ.አርን ንመጠናኸሪ ፕሮጀክት ዘፈር ፋይናንስ መፈፀሚ 525,700,000 ኤስ.ዲ.አር ሓገዝ ፋይናንስን ልቓሕን ስምምዓት ንምፅዳቕ ኣብ ዝቐረቡ 2 ረቀቕቲ ኣዋጃት ኢዩ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ እቶም ልቓሓት ምስ ፖሊሲ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ብምርግጋፅ እቶም ረቀቕቲ ኣዋጃት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብዚ ብምቕፃል ዝተዛተየ ድማ መበረታትዒ ደምቢ ኢንቨስትመንት ንምምሕያሽ ኣብ ዝወፅአ ደምቢ ኢዩ፡፡
መበረታትዒ ደምቢ ኢንቨስትመንት ቁፅሪ 517/2014 ተግባራዊ እናተገበረ ይኹን እምበር እቲ ደምቢ ቅድሚ ምውፅኡ ይኹን ድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ፀገም ኣፈፃፅማ እናጋጠሞም ስለዝኾነ ድንጋገታት እቲ ደምቢ ግልፂ ክኾኑ ንምግባር ኣብ ዝቐረበ መመሓየሺ ደምቢ ዘተ ምስተገበረሉ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንኽግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምፍራስ ዝቐረበ ረቂቒ ደምቢ ካሊእ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየሉ ዛዕባ ኢዩ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብስፍሓት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንኽግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡