ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ አመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ አመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየሎምን ውሳነ ዘመሓላለፈሎምን ጉዳያት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ዝተዛተየ ኣብ 4 ሓገዝ ፋይናንስን ስምምዕነት ልቓሕን ኢዩ፡፡ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት መጠናኸሪ ግሪድ ኤሌክትሪክ ምብራቕ ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዝተረኸበ 52 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካን፣ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ህንፀታት መሰረተ ልምዓትን ዝውዕል ካብ መንግስቲ ጣልያን ዝተረኸበ 10 ሚሊዮን ዩሮ፣ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት መመሓየሺ ናብራ ቆላማ ከባቢታት ካብ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት ዝተረኸበ 255 ሚሊዮን ዶላር ከምኡ እውን ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደ ሪፎርም ፓወር ሴክተር፣ ኢንቨስትመንትና ሞደርናዜሽንን ዝውዕል 393 ሚሊዮን ዶላር ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበሩ ልቓሕት ኢዮም፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኩሎም ልቓሓት ምስ ምሕደራ ፖሊሲ ልቓሕ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ዝጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ብምርግጋፅ ብሙሉእ ድምፂ ተቐቢሉ እቶም ረቀቕቲ ኣዋጃት ናብ ባይቶ ህዝቢ ንኽመሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  2. እቲ ቤት ምኽሪ ብካልኣይ ደረጃ ዝተዛተየ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣብ ዘቕረቦም 3 ረቀቕቲ ኣዋጃትን 1 ረቂቕ ደምቢን ኢዩ፡፡
  3. ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን እንትኸውን ስርዓት ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ብምምሕያሽ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቅልጡፍ፣ ተበፃሒ፣ ግልፂን ውፅኢታዊ ምግባር፣ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝህቡ ትካላት መሰረታዊ መሰልን ናፅነትን ዜጋታት ንምኽባርን ክኽበር ንምግባርን ኩለመዳይ ስርዓት ምዝገባ ምዝርጋሕ ስለዝግባእ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቶም ረቀቕቲ ኣዋጃት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ህዝቢ ንኽመሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየሉ ራብዓይ ጉዳይ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ንዝህቦም ግልጋሎታት ዘኽፍሎ ክፍሊት ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ኢዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቀቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  2. ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ መወዳእታ ዝተዛተየ÷ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝቐረቡ 2 ክልተኣዊ ስምምዕነታት ኢዩ፡፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ስምምዕነት ኣገልግሎት ኣየር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስጋር ዝተፈረመ ስምምዕነት እንትኸውን÷ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ዲፕሎማቲክነረ ሰርቪስን ፓስፖርት ንዝሓዙ ሰባት ቪዛ ንንምትራፍ ዝተገበረ ስምምዕነት ኢዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን እቶም ስምምነታት እንተፀደቑ ኢትዮጵያ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽሩን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር ዘደንፍዕ ከምዝኾነ ብምግንዛብ እቶም ረቀቕቲ ዋጃት ብሙሉእ ድምፂ ብምፅዳቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፉ ወሲኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment