ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘሳለጦ መበል 37 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ጥዕናን ድሕንነትን እንስሳት ኣድሂቡ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ከብ ንምባል ዘኽአል ገልፅ ሰርዓት ክትትልን ቁፅፅርን ጥዕናን ድሕንነትን እንስሳት ንምርግጋፅ ዘኽእል ረቂቕ ምዃኑ ብምእማን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኲዌትን ዘሎ ምውፋር ዓውደ ስራሕ ጠሚቱ ዝተኸተመ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ኣዋጅ ድማ፥ መሰል ኣብታ ሃገር ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያዊያን ንምሕላው ዘኽእል ሕጋዊ ማዕቐፍ ንክህሉ ኣብ ምግባርን ተዛመድቲ ሃገራዊ ረብሓታትን ብምግንዛብ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ክታም ኤሌክትሪክ ንምድንጋግ ዓሊሙ ዝወፅአ መመሓየሺ ኣዋጅ ቁፅሪ 1072/2010 ኣድሂቡ ኣብ ዝገበሮ ዘተ እውን፥ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዓምዩቕ ዘተ ድሕሪ ምግባር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝቐረበሉ ረቂቕ ፖሊሲ ሳይበር ድሕንነት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ነባር ፖሊሲ ንብዙሓት ዓማውቲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሐ ብምዃኑ ኣንፈት እቲ ፖሊሲ ዘድሊዮም ዓደሽቲ ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ጉዳያት ሳይበር ድሕነነት ኣብ ውፅኢታዊታን እቲ ዓውዲ ፅዕንቶ ዝፈጠሩ ብምዃኖምን ካልኦት ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያትን ብምግንዛብ ኣብቲ ዝቐረበ ፖሊሲ ድሕሪ ምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ ተግባራዊ ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ረቂቕ ፖሊሲ ብሄራዊ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ(AI) ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፥ እቲ ረቀቕ ፖሊሲ ንህዝብን ሃገርን ዘለዎ ረብሓ ብዕምቆት ብምድህሳስ እታዎታት ብምውሳኽ ተግባራዊ ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ረቂቕ ኣዋጅ ጥዕና፣ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ፈንድ መድሓኒትን ኣገልግሎት ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያን ጠመተ ብምግባር ኣብ ዝቐረቡ ረቀቕቲ ኣዋጃት እውን ዘተ ተገይሩ።

እቶም ኣዋጃት ጠመተ ዝገበረ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምግባር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፉ ብሙሉእ ደምፂ ወሲኑ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ መወዳእታ ስትራቴጂ ፋይናንስ ጥዕና ኣድሂቡ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋትን ቀዳማይ ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና መሰረት ዝገበረ ኩለ መዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒነቱ ንምርግጋፅን ዘድሊ እኹልን ቀፃልነት ዘለዎን ኣተኣኻኽባን ኣሸፋፍናን ስርዓት ወፃኢ ምዝርጋሕ ዘኽእል ስትራቴጂ ከምዝኾነ ተገንዚቡ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ዝቐረበሉ ስትራቴጂ ድሕሪ ምዝታይ በቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment