ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 22 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎም ውሳነታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሉ፡-

  1. እቲ ቤት ምኽሪ መጀመርታ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ደምቢ ምደባን ሓለዋን ሚስጢራዊ ሓበሬታታት መንግስቲ ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብምቕፃል ዝተዛተየ÷ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ምርግጋፅን ድሕንነትን ፍርያታት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽፀድቕ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. ካሊእ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ደምቢ ምሕደራ ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ እንትኸውን ካፒታል ዕዳጋ ንኢትዮጵያ ሓዱሽ ስለዝኾነን ብመንፅር ዝተሓላለኸ ባህሪ እቲ ስራሕን ሰራሕተኛታት ምምልማልንምምሕዳርን ንኽከኣል፣ ሚዛኑ ዝሓለወ ምሕደራ ሰራሕተኛታት ንኽህሉን ሰራሕተኛታት መሰሎምን ግቡኦምን ፈሊጦም እቲ ዓውዲ ዝሓቶ ሓላፍነት ስራሕን ዲሲፕሊን ሓሊዮም ንኽርከቡ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዘኽእል ረቂቕ ደምቢ ተሰናዲኡ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ÷ ኢትዮ-ባዮፋርማ ግሩፕን ሽልድቫክስ ኢንተርፕራይዝን ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረቡ ረቀቕቲ ደምቢታት ተዛቲዩ፡፡

ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment