ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘሳለጦ መበል 35 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ብቐዳምነት፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ካልኣይ ዙር መፈፀሚ  ፕሮጀክት ቀረንን ሳኒቴሽንን ፅሩይ መስተ ማይ ከተማታት ዝውዕል ተወሳኺ ልቓሕ ንምርካብ ዝተኸተመ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ።

እቲ ልቓሕ ዝተረኸበ 207,200,000 ዶላር ኣሜሪካ እንትኸውን፥ ወለድ ዘይብሉ፣ 0.75% ክፍሊት ኣገልግሎት ዝኽፈለሉን ኣብ ውሽጢ 38 ዓመት ተኸፊሉ ዝዛዘምን ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ምስ ምምሕዳር ፖሊሲ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝጠዓዓም ከምዝኾነ ብምርግጋፅ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ቀፂሉ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ታክስ ንብረት ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ እቲ ኣዋጅ ኣብ መልላእ እዛ ሃገር ኣብ ዘለዋ ከተማታት ተፈፃምነት ዘለዎ ኢዩ።

ክልላት ነቲ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ምስ ጭቡጥ ኩነታት  ብምጥዕዓም ነናይ ባልዐል ሕጊ ታክስ ንብረት ንከውፅኣ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝቐረበሉ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታዩ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ትልሚ ሪፎርምን ምምዕባል ካፒታልን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ እውን፥ እቲ መመሓየሺ ትልሚ ብዕምቆት ብምርኣይን ብምዝታይን ናብ ተግባር ንክኣቲ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝሓለፉ 16 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝፀንሐን ኩሎም ተዋሳእቲ ልምዓት ዘሳተፈ ትልሚ ምዕባለ ተግባራዊ ኣብ ምግባር፣ ብመንፅር ዓለም ለኸ ተመክሮታትን መትከላትን፣ ምእ ማእከላዊ ባንክታት ዘሎ እወንታዊ ተመክሮ፣ ውፅኢታዊነት ፖሊሲ ገንዘብን ወዘተን  ክፍተታት ከምዘለውዎ ርእዩ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ብዛዕባ ስራሕቲ ባንኪ ዝጠመተ ረቂቕ ኣዋጅን ገምጋም ከባቢን ማሕበራዊ ፅዕንቶን ብዝምልከት ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅን ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እቶም ረቀቕቲ ኣዋጃት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment