ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል ሓምሻይ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል ሓምሻይ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ

  1. ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዝተሳለጡ ለውጢታትን ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ ዕድላትን ንምትእንጋድ፣ ሃገር ቦቀል ሪፎርም ኢኮኖሚን መሰታ ሃገራት ዝበፅሕኡ ኣካታቲ ብርኪ ፋይናንስን ንምብፃሕ መበል ካልኣይ ብሄራዊ ስትራቴጂ ፋይናንስ  (ካብ 2014 ክሳብ 2018 ዓ.ም) ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ዝተሰናድአ ረቂቕ ሰትራቴጂ ነቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ድሕሪ ብዝታይ ንቐፀልቲ ሓሙሽተ ዓማውቲ ዝበለፀ ውፅኢት ንምምዝጋብ ዝዓለመ ምዃኑ ብምርግጋፅን ተወሳኺ እታዎታት ብምውሳኽን ብሙሉእ ድምፂ ብምፅዳቕ ኣብ ስራሕ ንክውዐል ወሲኑ።
  2. ፕሮግራም ስርዓት ምምሕያሽ ፋይናንስ ገፀር ብዝምልከት(ምዕራፍ III) ዝቐረበ መፈፀሚ ንክውዕል ምስ ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ግብርና ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕነት ልቓሕ ዝምልከት እቲ ቤት ምኽሪ ዘትዩ። ስለዠኮነ እቲ ስትራቴጂ ሓረስቶት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ካብ ዘፍሪዮ ስርዓት ኢኮኖሚ ብምልቓቕ ንዕዳጋ ዝኸውን ናብ ዘፍሪየሉ ስርዓት ኢኮኖሚ ዕዳጋ ንክሸጋገር ምግባር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ። እዚ ንምግባር ዘኽእሉ መሳርሒታትን እታዎታትን ንምግዛእ፣ ፍሪያቶም ናብ ዕዳጋ ንምጉዕዓዝ፣ ዝተፈላለዩ ንናብራ ሓገዝቲ ዝኾኑ ናውቲታት ንምግዛእን ወዘተ ንምትግባር ዘኽእል ብር 245,000,000.00 ስምምዕነት ልቓሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ቤት ምኽሪ ስርዓት እቲ ልቓሕ ምስ ስትራቴጂ ልቓሕ እዛ ሃገር ብምንፅፃር እቲ ስምምዕነት ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ወሲኑ።
  3.  ስምምዕነት ምጥያሽ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያንን ፓስፒክን (ኣካፓድ) ብዝተመሓየሸ ስምምዕነት ጆርጅታዊ እቲ ቤት ምኽሪ ተዛቲዩ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣባል ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ንምጥንኻር፣ ሕብረተን ሓድነትን ንምጉልባትን ሓደ ኣብ ዝገብረን ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳታት ብሓባር ንምስራሕ ኢዩ። ስለዝኾነኢትዮጵያ ኣባል እቲ ትካል ብምዃና ዝርከብ ረብሓ ዝሓሸ ከምዝኾኑ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ተመሓላሊፉ።
  4. በዓል መዚ ትካል ስቪል ማሕበረሰብ፣ ኮሚሽን ፌዴራል ፖሊስ፣ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትንን ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን መረብ ደሕንነትን ንዝህቡዎም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝኽፈሉ ክፍሊታት ኣመልኪቱ ዝቐረቡ ኣርባዕተ ረቀቕቲ ደንብታት ኣፅዲቑ። ብተወሳኺ እቶም ደንብታት ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ካብ ዝተሓተምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኑ።
  5. ስኳር ኢንዱስትሪ ግሩፕ ኢትዮጵያ፣ ወንጂ/ሸዋ፣ መተሃራ፣ ፊንጫ፣ ከሰምን በለስ ሽኮር ፋብሪካን ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረቡ ሽዱሽተ ረቀቕቲ ደንብታት ብዕምቆት ብምዝታይ ኣፅዲቑ። ብተወሳኺ እቶም ደንብታት ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ካብ ዝተሓተምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኑ።
  6. ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ስምምዕነታት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ሪፐብሊክ ተርኪ ተዛቲዩ። ቱርኪን ኢትዮጵያ ንዘባናት ዝፀንሐ ሕውነት ዘለወን ስለዝኾና ብትምህርቲን ስልጠናን፣ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምዳት፣ ህንፀት ምክልኻል ኢንዱስትሪ፣ ምክልኻል መጥቃዕቲ ሳይበር፣ ምኽባር ሰላም፣ ምትሕብባር ወተሃደራዊ ፋይናንስ፣ ምክካል ሽፍትነት ብባሕሪ ኣብ ዝግበሩ ወፍሪታት ንምትሕብባር ዘኽእል ማዕቐፍ ምፍጣር ዝብል ዕላማ እቲ ስምምዕነት ከምዝኾነ ርእዩ። ስለዝኾነ ኣብቲ ዝቐረበ ሰለስተ ክልቲኣዊ ስምምዕነት ብምዝታይ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ወሲኑ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment