ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ መበል 21 ህፁፅ ፍሉይ ኣኼቡኡ፥ መንግስቲ ሰላምን ህልውናን ሃገር፣ ምርግጋፅ ድሕንነት ዜጋታትን ሃገር ናብ ሁከትን ዕግርግርን ዝወስዱ ዝኾኑ ይኹኑ ፍፃመታት ናይ ምክልኻል ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ኣብ ክልል ትጋራይ ሕገ መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ከምኡ እውነ ሰላምን ፀፅታን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ብፍላይ ድማ ሉኣላዊነት ሃገር ዝፈታተኑ፣ ንመንግስቲ ፌዴራል ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቡዎ ሓላፍነታት ኣብቲ ክልል ከይዋፃእን እዛ ሀገር ማእኸል ዓውደ ኺናት ዝግብሩ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እውን ብምጥሓስ ብዙሓት ዘይሕጋዊ ተግባራት እናተፈፀሙ ስለዝኾነ፤ እዚ ብስሩዕ ሕጊ ምኽባር ኣብዘይከኣለሉ ብርኪ ምብፅሑ ብምርዳእ፤ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ብዝተደንገገ መሰረት ብምግባር ሕገመንግስታዊ ስርዓት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ፍሉይ ስጉምቲ ምውሳድ ዘኽእል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምድንጋግን ተግባራዊ ብምግባርን ኩነታት ብምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ ሰላምን ህልውናን ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ምክልኻል ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፤ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 93/1/ሀ እዚ ዝስዕብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ግብሪ ሓይሊ ተፀዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚኒስትር እንትኸውን፥ “ግብሪ ሓይሊ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኢዩ።

እቲ አዋጅ ኣብ መላእ ብሄራዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ተፈፃሚ ዝግበር ኮይኑ፥ ከከም ኣድላይነቱ ተፈፃሚ ወይ ድማ ተራፊ ዝኾኑሉ ተወሰኽቲ ከባቢታት ድማ እቲ ግብሪ ሓይሊ ብዘውፀኦ መምርሒ ክውሰን ኢዩ።

እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ በቢእዋኑ ንሕብረተሰብ ከምዝወሃብ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment