ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዘካዮዶ መበል 25 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ምምሕልላፉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመልኪቱ።
ውሳነታት መበል 25 ስሩዕ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ፡-
- እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሓለዋ ውልቀ ዳታ ኢዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ውልቀ ሰባት ኣብ ውልቀ ሓበሬታ ዘለዎም መሰል ብዝርዝር ዝድንግግ ሕጊ ብዘይምህላዉ፣ ስርዓት ሓለዋ ውልቀ ዳታ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ደረጃታት ብዝሓለወ መልክዑ ብምህናፅ ረብሕኡ ብዙሕ ብምዃኑ እዞም ናይ ውልቀ ዳታትን ባህሊን ኣሰራርሓን ብምድንፋዕ ተዋሳእቲ ኣብ ዝኾኑ ኣካላት መሰልን ግቡእን ዝድንግግ ማዕቐፍ ሕጊን መፈፀሚ ስርዓትን ብምዝርጋሕ ውፅኢታዊ ዝኾነ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣላይነት ኣዋጅ ሓለዋ ውልቀ ዳታ ዝተኣመነሉ ብምዃኑ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብምቕፃል ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ምሕደራን ኣጠቓቕማን መሬት ገፀር ዝተዛተየ እንትኸውን÷ ብርኪ ናብራ ሓረስቶት፣ ክፋል ሰበኽ ሳግምን ሰበኽ ሳግምን እታ ሃገር ምስ ዝበፅሐቶ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዕቤት ንምጥዕዓም ስርዓት ምሕደራን ኣጠቓቕማን መሬት ገፀር ምዝርጋሕ ከምዝግባእ፣ ዋሕስ ትሕዝቶ ሰብ መሰል ምጥንኻር ዘድሊ ብምዃኑ፣ ምዝገባን ሓበሬታን መሬት ገፀር ፅሬቱ ብዝሓለወ መልክዑ ብምውዳብ ምስ ኣጠቓቕማ መሬት ተተሓሒዙ ዝለዓሉ ዘይምርድዳኣት ዝፈትሑሉ ስርዓት ምስንዳእ ከምዝግባእ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳር እታ ሃገር ቀጠናታት ዘገናዘበ ስርዓት ዘላቒ ምሕደራን ኣጠቓቕማን መሬት ገፀር ብምዝርጋሕ ተረባሕነት እዚ ወለዶ ንመፃኢ ወለዶ ብዘይጎድእ መልክዑ ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ቀሪቡ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- ኣብ መወዳታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ እንትኸውን ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ስርዓት ፓርክታት ኢንደስትሪ ናበ ስርዓት ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ብምስግጋር ቅልጣፈ ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር ምድንፋዕ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፣ መርሃ ግብሪ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ቅልጡፍን ምቹውን ኢንቨስትመንትን ከባቢ ንግዲን ንምፍጣር ርኡይ መሳርሒ ምዃኑ ስለዝተኣመነሉ፣ ዓለም ለኸ ተረባሕነት ምትእስሳር ንግዲ ሃገር ንምጉልባትን ካልኦትን እቲ ኣዋጅ ምስንዳእ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com