ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 26 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ዝተዛተየ ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሉ ትሕዝቶ መሬት ዝልቐቐሉ፣ ካሳ ዝኽፈለሉን ተለዓልቲ መሊሶም ዝጣየሹሉ ከለነታት ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ መመሓየሺ ረቂቕ ኣዋጅ ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀፂሉ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሜዳይ፣ ኒሻንን ሽልማትን ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. ካብዚ ብተወሳኺኺቲ ቤት ምኽሪ÷ ናይ ህዝቢ በዓላት፣ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲታትን ኣከባብራ በዓላትን ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መወዳእታ ዝተዛተየሉ ዛዕባ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ኢዩ፡፡ ዓውዲ ኣፍረይ ኢንዱስትሪ ንሃገራዊ ኢኮኖሚ ዕቤትን ዝተዋደደ ስግግርን ንምስላጥ ዝለዓለ ግደ ንኽዋፃእ፤ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ፣ ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃ ንምስሓብ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ንምትካእን ዘላቒ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምምችቻው ዝኸውን ማዕቐፍ ፖሊሲ ዘድሊ ብምዃኑ ረቂቕ ፖሊሲ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment