ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብምዝታይ፥ እቲ ትካል እዋናዊን ዘላቒን ባህጊ ልምዓት እዛ ሃገር ብውፅኢታዊ ምርምር ንምሕጋዝ ዘኽእል ከምዝኾነ ሪኡ።

ነዚ ንምስላጥ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት ግብርና ብምልማዕ፣ ስርዓት ምርምር ግብርና ብምትሕብባር፣ ብምድጋፍን ብምትብባዕን በፍረያት ግብርና ባዕልኻ ንምኽኣል ኢሉ እውን እታዎታት ንግዲ ወፃኢ ንምዕዋት ገልፂ ልኡኽ ዘለዎ ትካል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዐል ወሲኑ።

ብምቕፃል ስልጣን፣ ተግባርን ኣወዳድባ በዓል መዚ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ነምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ደነቢ ዘተ ተገይሩ።

ኣብቲ ረቂቕ ደንቢ ድሕሪ ምክያድ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዐል ወሲኑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕስና ሰራሕተኛታት መንግስቲን  ዘይ መንግስታዊ ትካላትን ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረቡ ረቂቕ ደንቢታት ዓምዩቕ ዘተ ገይሩ።

ሃገሮም ኣገልጊሎም ጡረታ ዝወፅኡ ዜጋታት ዝህብዎም ኣገልግሎታት ቀፃልነትን ኣተኣማማኒን ንምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ድሕሪ ምርኣይ፥ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዐል ወሲኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment