ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 88 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዓውዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝምረሐሉ ፖሊሲ ብዘይምህላዉ እቲ ዓውዲ ብብቕዓትን ፅርየትን ምስፋሕን ኩሎም ዜጋታት ተበፃሕቲ መረዳእታ ንምግባር  ዘይምኽኣሉ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ምስ ባህሊን ክብሪን ማሕበረሰብ ከምኡ እውን ምስ  ፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ኩነታት እዛ ሃገር ዝተጠዓዓመ ፖሊሲ ምስንዳእ ኣድላዪ ብምዃኑ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ረቂቕ ፖሊሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምድላው ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ከምዘቕረበ ተገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ፖሊሲ ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ ዝተውሃቡ እታዎታት ተወሲኾም ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ብቕፃል ኤክሳይዝ ታክስ ኣዋጅ ቁፅሪ 1186/2012 ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዘተ ዝገበረ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ዓንቀፅ እቲ ኣዋጅ 43(1) ተመሓይሹ “ኣብ ዓንቀፅ 43(1) ኣብቲ ኣዋጅ ምዕራፍ 3 ከፍሊ 1 ፍቓድ ብዛዕባ ምውፃእ ዝተደንገገ እንተሃለወ እውን ኤክሳይዝ ታክስ ዝኽፈለሎም ኣቑሑ ብምፍራይ ወይ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝተዋፈረ ዝኾነ ይኹን ሰብ ፍቓድ እንተዘይሃለዎ እውን ወይ እንተዘይተመዝገበ እውን ክሳብ 30 ለካቲት 2013 ዓ.ም ኤክሳይዝ ታክስ ዝኽፈለሎም ኣቑሑ ምፍራይ ወይ ናብ ውሽጢ ዓዲ ናይ ምእታው ወይ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ስራሕ ምፍፃም ይከኣል ኢዩ።” ብዝብል ንክትካእ መመሓየሺ ሓሳብ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክቐርብ ወሲኑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment