ቤት ምኽሪ ሚኒስራት ኣብ ዘካየዶ መበል 34 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስራት ኣብ ዘካየዶ መበል 34 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ዝዘታየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ በጀት ዓመት 2017 መንግስቲ ፌዴራል ኢዩ፡፡ ንስሩዕ ወፃኢታት መንግስቲ ፌዴራል፣ ንካፒታል ወፃኢታት፣ ንክልላት ዝወሃብ ሓገዝ፣ ንሓገዝ መፈፀሚ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ተጠባባቒ ወፃኢን ሓዊሱ ናብ ሓደ ትሪሊየን ዝፅጋዕ በጀት ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ዝቐረበ ሪቂቕ ኣዋጅ በጀት 2017 ምስ ተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. ካብዚ ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ሓምለዋይ ኣሰርን ዝዓረቐ መሬት ንምድሓንን ንምጥያሽ ከምኡ እውን እቲ ምምሕዳር ንምውሳን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ፍሉይ ፈንድ ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምስታዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

3. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መወዳእታ ዝተዛተየ ትካል በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ንዝህቡዎም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝኽፈሉ ኣገልግሎታት ክፍሊታት ንምውሳን ኣብ ዝቐረቡ ረቀቕቲ ደምቢታት ኢዩ፡፡ እተን ትካላት ዝህበኦ ኣገልግሎት ብሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት፣ ኣሰራርሓታትን ዝሰለጠነ ሓይሊ ሰብ ብምዝማን ብርኪ ፅሬት ኣወሃህባ ኣገልግሎተን ምምሕያሽ ኢሉ እውን ዓቕሚ ተጠቃሚ ማሕበረሰብ ብዘገናዘበ መልክዑ ኣገልግሎት ንኽህባ ዘኽእል ስርዓት ምዝርጋሕ ስለዘድሊ እቶም ረቀቕቲ ደምቢታት ተሰናዲኦም ቀሪቦም፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቶም ረቀቕቲ ደምቢታት ብሰፊሑ ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሞም ካብ ዝወፅኡሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕሉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment