ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 40 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ካልኣይ ምዕራፍ ሃገር ቦቀል ምምሕያሽ ማዕቐፍ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካልን 2017-2021 ተግባራዊ ኣብ ምግባር ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጡ።
እቲ ማዕቐፍ ን2017 ናይ ፌዴራል መንግስቲ ተወሳኺ በጀትን ኣሸፋፍና ወፃኢን መመዓራረዪ መበገሲ ብምዃን ዘገልግል እንትኸወን ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተዋዲዱን ተመሓይሹን ዝቐረበ ከምዝኾነ ረእዩ።
ስለዝኾነ እቲ ማዕቐፍ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ኣዋጅ መመዓራረዪ ተወሳኺ ባጀትን ኣሸፋፍና ወፃኢን መንግስቲ ፌዴራል በዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፥ ንስሩዕ ወፃኢን መመዓራረዪ ኣሸፋፍና ወፃኢን ዝውዕል 581, 982, 390,117 ተወሳኺ ባጀት ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ።
ኣብቲ ዝቐረበ እኹል ዘተ ድሕቲ ምግባር እታዎታት ወሲኹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈለጡ ሞያተኛታት ሒሳብ ኢንስቲትዩት መጣየሺ ረቂቕ ኣዋጅ፣ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ርስሓት ብዝምልከት ዝቐረቡ ኣዋጃት እውን እኹል ዘተ ብምግባር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
እቲ ቤት ምኽሪ መጣየሺ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ንምምሕያሽ ኣብ ዝወፅአ ደንቢ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ኣብቲ ደንቢ ሰፊሕ ዘተ ደሕሪ ምግባር ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ረቂቕ ኣዋጅ ወሰን ማይ ምኽላል፣ ምልማዕ፣ ክንክንን ኣጠቓቕማን፣ ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ተፋሰስ መጣየሺ መፈፀሚ ዝተዋደደ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፥ እቶም ረቀቕቲ ኣዋጃት ኣብ ሕድሕዶም እኹል ዘተ ብምግባር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።