ቤት ምኽሪ ሚኒሰስትራት ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ተዛቲዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒሰስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 100 ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ተዛቲዩ ውሳነ ከምዘመሓላፈ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ከምዝሓበሮ፥ እቲ ዘተ ኣብ ደምቢ ኣታዊ ግብሪ ፌዴራል፣ ጡረታ ሰራሕተኛታት ዘፈር መንግስቲን ውልቀን ንምድንጋግ ኣብ ዝቐረቡ ረቐቕቲ ኣዋጃት ከምኡ እውን ኣብ ስምምዓት መዓድንን ኣገልግሎት ተሃድሶ ሕክምና ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ዝተዛተየ ደምቢ ኣታዊ ግብሪ ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ኢዩ፡፡

እቲ ደምቢ ብቑፅሪ 410/2009 ካብ 3 ነሓሰ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ እንትኸውን፥ ስርዓት ኣታዊ ግብሪ ኢትዮጵያ ዘበናዊ፣ ስሉጥን ኢኮኖሚ ሃገር ብግቡእ መገዲ ንምምራሕ ዘኽእልን ክኸውን ብምግባር ናይ ባዕሉ ግደ እናበርከተ ይርከብ፡፡

ይኹ እምበር ኣብ ዓንቀፃት እቲ ደምቢ ግልፅነት ዝጎድሎምን ኣብምንቅስቓሳት ኢኮኖሚ ፅዕንቶ ዘሕደሩን ኮይኖም ስለዝተረኸቡ ምምሕያሽ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ መመሓየሺ ደምቢ ተዳሊዩ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብዕምቆት ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ብነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብምቕፃል፥ ጡረታ ሰራሕተኛታት ዘፈር መንግስቲን ውልቀን ንምድንጋግ ኣብ ዝቐረቡ ረቐቕቲ ኣዋጃት ኣድሂቡ ተዛቲዩ፡፡

ኣብ ትልሚ ኣገልግሎት ጡረታ ንዝሽፈኑ ሰብመሰላት ቅልጡፍ፣ ውፅኢታዊን ተበፃሒን ዝኾነ ኣገልግሎት ብመሃብ ዕግበት ተገልገልቲ ንምድንፋዕ ከምኡ እው ግልፂ ስርዓት ምሕደራ ፈንድ ንምዝርጋሕ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ኣዋጃት ንምምሕያሽ ስለዘድሊ ረቂቕ ኣዋጃት ተዳሊዮም ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቦም፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ብግድኡ፥ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብዝርዝር ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ወሲኑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣኼቡኡ ብሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ዝቐረቡ ሸውዓተ ዓበይቲ ስምምዓት ልምዓት መዓድን ዝተዛተየ እንትኸውን፥ እቶም ስምምዓት ኢንቨስትመንት ልዕሊ 4 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ዘምፅኡ ስለዝኾኑ፣ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ፣ እቶም ኢንቨስትመንታት ኣብ ዝጣየሹሎም ከባቢታት ብልዑል መምርሒ ኮርፖሬት ሶሻል ሪስፖንሲቢሊቲ ዘገልግሉን ተረባሕነት እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ኣገደድቲ ድንጋገታት ኣብቶም ስምምዓት ከምዝተኻተቱ ብምርግጋፅ ዝተወሰነ እታወት ብምውሳኽ እቶም ስምምዓት ንኽፍረሙን ናብ ስራሕ ከኣትዉን ወሲኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment