ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ ሓሬታ ብፅቡቕ ጎኑ ዝረአ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ ሓሬታ ብፅቡቕ ጎኑ ከምዝሪኦ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ምትሕብባር ብሓዱሽ መልክዑን ከም እንደገናን ንምሕዳስ ኣበርቲዓ እናሰርሐት ከምትርከብ እውን ገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ÷ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ብቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ዝገበሮ ኣኼባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ÷ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ውፅኢታት ሓዊሱ ንካልኦት ጉዳያት ኣፍልጦ ምሃቡ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ምትሕብባር ብሓዱሽ መልክዑ ንምሕዳስ ኣበርቲዓ እናሰርሐት ከምትርከብን መግለፂ እቲ ቤት ምኽሪ እውን እዚ ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

እቲ ሕብረት ኣብ ዘላቒ ሕርሻን ውሕስና ምግቢን ዘድሃበ ዓመታዊ በዓል ብዙሕ ዘፈር ፕሮግራም ሓገዝ ዳግም ንምጅማር ዘርአዮ ድልዉነት፣ ኣለቃሕቲ ሃገራት ኣብ ዘጣየሸኦ ሓበራዊ ማዕቐፍ ዝሳለጥ ከይዲ ድርድር ምሽግሻግ ዕዳ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ንኽዛዘም ዘቕረቦ ፃውዒትን ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ጉዳይ መረጋግኢን መመሓየሺን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ንኽድግፉን ዝሃቦ ጥንኩር መበረታትዒ ፅቡቕ ዝበሃል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ፈተውታን ዘለዋ ርክብ ኣብ ፅንኩር መሰረት ንምቕማጥ ግዚኡ ሕዚ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣገንዚቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment