ቤት ሚኒስትራት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተበኣኣሰ ብምምፅኡ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ መጋቢት 30 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተበኣኣሰ ምምፅኡ ምኽንያት ብምግባር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ እቲ ኣዋጅ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከቢድ ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ 100 ዓመት ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ሕማም ኩለመዳይ ፀገም ኮይኑ ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ በቢብርኩ ዝተፈላለዩ ናይ መፍትሒ ስጉምቲታት እናወሰደ ከምዝፀንሐ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ህዝቢ ግንዛበ ንኽረክብ፣ ትካላት ሕክምና ንኽዳለዋ፣ መሳርሒታት መከላኸሊ ሕክምና ካብ ወፃኢ ንኸኣትዉ፣ ቦታታት ፈሊኻ መፅንሒ ንኽዳለዉ፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ንኽዕፀዋ፣ መብዛሕተኦም ሰራሕተኛታት ቤተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንኽሰርሑ ምውሳኑ፣ ብዙሕ ህዝቢ ክዝእከበለን ዝኽእላ ከም ሃይማኖታዊን ማሕበራዊን ትካላት ኣገልግልግሎተን ህዝቢ ክእክብ ብዘይኽእል መልክዑ ንኽትግብራ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ግልጋሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ንኽቋረፅ፣ ንኣፀጋሚ እዋን ዝኸውን ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ክስርሑ ክኢሎም ኢዮም ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ወገናት ብቕልጡፍ እናወሰኸ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ካብቲ እንርከበሉ ኣፀጋሚ እዋን ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን ኣፀገምቲ ዝበሃሉ ውሳነታት ምውሳን ዘድሊየሉ እዋን ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ውሳነ፥ ከም ውልቀሰብ፣ ከም ማሕበረሰብ፣ ከም ትካልን ከም መንግስቲን ዝውሰን ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ነዙይ መሰረት ብምግባር ቤት ሚኒስትራት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ ኣሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ ኣዋጅ ብሕገ-ንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 93 መሰረት ብምግባር ዝተፈፀመ ኢዪ ኢሎም።

ሃገርን ህዝቢን ንምድሓን ካብዙይ ዝለዓለ ውሳነ ክመሓላለፍ ከምዝኽእልን ዜጋታት ግቡኦም ንምፍፃም ክዳለዉ ከምዝግባእን እውን ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኩሉ ሕብረተሰብ እቲ ፀገም ንምፅዋር ምስ ዝሰርሑ ኣካላት ተሓባቢሩ ንኽሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ካብዙይ ብተፃራሪ ብምዃን እቲ ፀገም ንምብእኣስ ዝሰርሑ ኣካላት እንተሃሊዮም ግን ሕጊ መሰረት ብምግባር ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment