ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ “ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክንብል ኢና” ብዝብል ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዋ ድጋፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ “ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክንብል ኢና” ብዝብል ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዋ ድጋፍ ገሊፃ።

“ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ክንብል ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተመሓላለፈ ፃውዒት ብምቕባል ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ነቲ ሰራዊት ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ብፀሎት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ ብፁኣን ኣበው ሊቃነ ጳጳሳት እውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተሳቲፎም።

ሰራሕተኛታት ሓለፍቲ ስራሕን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ እውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ከምዝብሉ፣ ንሓድነትን ሰላምን ሃገር ዝከኣሎም ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ ቃል ምእታዎም ካብ መምርሒ ርክብ ህዝቢ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment