ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኮኒና

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኮኒና።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ቤንች ሼኮ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝኾነ ይኹን ዝንባለ ፖለቲካ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ንፁሃን ዜጋታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓመታዊ ኣኼቡኡ እናሃለወ ነቲ ፍፃመ ከምዝሰምዖ ዝሓበሩ እቶም ፓትሪያርክ፥ እቲ ተግባር ንሲኖዶስን ቤተክርስቲያንን ኣዚዩ ዘሕዘነ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣድላዪ ብዘይኮነ ምኽንያት ብግፍዒ ንዝተቐተሉን ህይወቶም ንዝሰኣኑን ወገናት ልባዊ ሓዘና ትገልፅ” ኢሎም።

መላእ ኢትዮጵያውያን ድማ ከም ሓሳብ እግዚኣብሄር ኩሉ ሰብ ጋሻ እዛ ዓለም ምዃኖም ብምግንዛብ ብሕውነት፣ ብፍቕሪ፣ ብሓድነትን ብምትሕስሳብን ፈጣሪ ኣብ ዝሃቦም መሬት ንኽነብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከምዚ ዓይነት ኢ-ስባኣዊ ተግባር ዳግም ከይፍፀም፥ መንግስቲ ንዜጋታቱ ኣድላዪ ዘበለ ሓለዋ ክገብር ከምዝግባእን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንኸቕርብን ሓቲቶም።

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ናይ ሓባር ሰላምን ሓድነትን ጠጠው ንኽብሉ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment