ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያንን ኣብያተ ክርስቲያናት ክፍለ ከተማ ቦሌን ብኲናት ንዝተጎድኡ ወገናት 15 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያን ኣብያተ ክርስቲያናት ክፍለ ከተማ ቦሌን ብኲናት ንዝተጎድኡ ወገናት ዝተኣከበ 15 ሚሊየን ብር ድጋፍ ንምምሕዳር እቲ ክፍለ ከተማ ኣረኪቦም።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ወገናት፤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ካብ ምዕመናን ዝኣከብዎ 15 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ናውትታት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባን ጉራጌን ሊቀጳጳስ ኣቡነ መልከፀፄዴቅ ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ቦሌ ወይዘሮ ኣለምፀሃይ ሽፈራዉ ኣረኪቦም።

አቡነ መልከጸዴቅ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ÷ ኣብያተ ክርስትያናት ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ኲናት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ንምድጋፍ ኣብ ዝገበርዎ ልዑል ምንቅስቓስ ኣብ ሃገረ ስብከት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምመርኣያ ዝውሰዱ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምሕባር፤ ንወገን ኣብ ፀገሙ ብምብፃሕ ፃውዒት መንግስቲ ተቐቢሎም ዝገበርዎ  ዕዙዝ ተሳትፎ ምስጋና ከምዝግበኦም ካብቲ ቤት ዕዮ ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment