ባግዳድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቓዕቲ ሮኬት ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራቕ ባግዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሮኬታት ዝተፈነዉ እንትኾኑ፥ ሓደ ሮኬት ኣብ ካፌ ናይቲ ኤምባሲ፤ እቶም ዝተረፉ ክልተ ሮኬታት ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኤምባሲ ዓሪፎም ተባሂሉ።

በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት እንትቖስሉ፥ ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ የለን።

ኣሜሪካ ግን ብኢራን ዝሕገዝ ወታደራዊ ክንፊ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ገሊፃ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢራቕ ኣዴል ኣብዱል መሓመዲ ነቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝኾነኑዎ እንትኾኑ፥ ከምዚ ዝበሉ መጥቃዕቲታት ንኢራቕ ማእኸል ዓውደ ኲናት ዝገብሩ ኢዮም ኢሎም።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ንኣሜሪካ ዝኹንኑ ሰልፊታት ተቓውሞ ኣብ ከተማ ባግዳድ ተካይዶም ኢዮም።

ኣብቲ ኤምባሲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሮኬት፥ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንመጀመርታ ግዘ ዝተፈመ ኢዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment