ባይቶ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ኣብ ዞባ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምጀኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ኣብ ዞባ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ጣቢያ ዋጋ ቃንቃ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ መስካሕኽሒ መጥቃዕቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ መሰል ገበን ብተደጋጋሚ እናተፈፀመ ህይወት ንፁሃን ሰባት እናቐጠፈ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ፥ መንግስቲ ኣብቲ ዝተፈፀመ ዘስካሕኽሕ ገበን ዝተሳተፉ ገበነኛታት ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ልዕልነት ሕጊ ከከረጋግፅ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ስጉምቲ እንትወስድ መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምስ መንግስቲ ብምዃን ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብሩ እቲ ቤት ምኽሪ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

በቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ዝገለፀ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፥ ንቤተሰብን ዘመድ ኣዝማድን ግዳያት ከምኡ እውን ንመላእ ኢትዮጵያውያን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment