ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበበ ረቂቕ ኣዋጅ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 8ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ዝዝቲ እንትኸውን፥ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበበ ረቂቕ ኣዋጅ ድማ ካብዚኣቶም ሓደ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክባት ወፃኢን ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ዘቕርቡዎ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ብምምርማር ነቲ ኣዋጅ ከፅድቖ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተዋሳኺ፥ ምሕደራን ስርዓት ኣመራርሓን ፕጀክታት መንግስቲ ፌዴሪኢ ንምድንጋግ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅን ስምምዕነት ሚናማታን ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶም ቀወምቲ ኮሚቴታት ክመርሕ ኢዩ።

ምርኣይ ዝተስኣኖም፣ ንምንባብ ዝበቅዕ ናይ ምርኣይ ፀገምን ብስሩዕ ኣናብባ ንምንባብ ኣካላዊ ፀገም ዘለዎምን ሰባት ስራሕቲ ተበፃሕነት ቀለም ፀሑፍ ሕትመት ንምምችቻው ዝወፅአ ስምምዕነት ማራካሽ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝመርሕ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን መንግስቲ ኳታርን ዝተፈረመ ስምምዕነት ምስፍሕፋሕን ሓለዋን ኢንቨስትመንት ብዝምለከት ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምለከት እውን ሎሞ መዓልቲ ካብ ዝዛተየሎም ዛዕባታት ይርቡዎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓለዋን ሓገዝን ንምግባር ስምምዕነት ካምፓላ ሕብረት ኣፍሪካ ንፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ምምራሕ፥ ኣብ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼባ ትፅቢት ካብ ውሽጢ ዝግበረሎም ዛሓባታት ሓደ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment