ባይቶ ወከል ህዝቢቲ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ 5ይ ዘበን ስራሕ 8ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክባት ወፃኢን ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበበ ረቂቕ ኣዋጅ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ኣጀንዳታት ተመልኪቱ።

ተወካሊ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ኣበበ ጎዴቦ ገበን ግብረ-ራዕዲ ንምክልኻል ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልክቶም ኣብ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ፥ ተግባር ግብረ ራዕዲ እብ ልዕሊ ህይወት ወዲ ሰብ፣ ኣካልን ስነ ልቦናን ከምኡ እውን ንብረትን ማሕበራዊ ርክብን ዘብፀሖ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ምስ ዝተወውፃእፅኡ ሓለፍቲ ስራሕ፣ ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ፍትሒን ካልኦት መዳርግ ኣካላትን ዝርዝር ዘተ ከመዝተገበረሉ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቲ ኣዋጅ እንተፀዲቑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕን ዘላቒ ሰላም ንምዕሳልን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።

ኣባላት እቲ ባይቶ፥ በቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበበ ረቂቕ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012 ብሓደ ድምፂ ተዓቅቦን ብድምፂ ብልጫን ኣፅዲቆምዎ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment