ባይቶ ወከልቲ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 476 ቢሊየን ብር ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ጉባኤኡ፥ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 476 ቢሊየን ብር ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡

እቲ መጠን ገንዘብ  2012 ዓ.ም ምስ  ዝነበረ ዓመታዊ በጀት እንትነፃፀር ናይ 89 ቢሊየን ብር ወሰኽ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ ስሩዕ ጉባኤ ብምርካብ ብዛዕባ እቲ በጀት መብርሂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝበልዎ፥ እቲ ዝፀደቐ በጀት ኣብ ምቕናስ ድኽነትን ሓፈሻዊ መፍረይነትን ንምምዕባል ንዝስርሑ ስራሕቲ ኣብ ምጥንኻርን ምቕፃልን ትኹረት ብምግባር ክስራሕ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ጉድለት በጀትን ፅዕንቶ ልቓሕን ብምንካይ ዕብየት እቶት ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ድሕሪ ምምፅኡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕብየት ወይ ጂ ዲ ፒ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ነዚ እውን ቅድሚ ለውጢ 2 ነጥቢ 2 ትሪሊየን ብር ዝነበረ ጂ ዲ ፒ እዛ ሃገር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ 3 ነጥቢ 4 ትሪሊየን ብር ክብ ከምዝበለ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ መጠን በጀት እውን እንትረአ ወሰኽ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ምንካይ ድኽነት ኣብ ዘድሃቡ ዓውዲታት ዝተሰለዐ በጀት ልዑል ወሰኽ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኣብ 2013 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ኣገልግሎታትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል ልዕሊ 133 ቢሊየን ብር በጀት ተተሒዙ ኣሎ።

ብተወሳኺ ንካፒታል በጀት ልዕሊ 160 ቢሊየን፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ ልዕሊ 176 ቢሊየን፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 6 ቢሊየን ብር ብድምር 476 ቢሊየንን 12 ሚሊየንን 952 ሺሕን 445 ብር ንክኸውን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

እቲ በጀት እታዎታት ምስ ውፅኢት ዘዛምድን ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምክልኻል ተሓሳቢ ገይሩ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ኣብ 2013 ዓ.ም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብ8 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘመዝግብ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ መንግስቲ ማክሮ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ኣጋጢሙዎ ካብ ዘሎ ዕንቅፋታት ንክገላገል ዓሊሙ ሃገር ቦቀል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment