ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት 8ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት 8ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ከካይድ ኢዩ።

ኣብ ኣኼቡኡ ድማ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን፣ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒ ዴሞክራሲን፥ እቲ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 15 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ መተከልን ካልኦት ክፋላት እዛ ሃገርን ዝተፈፀሙ ቅትለታት ኣመልኪቱ ምስ ተዛተየ ብዘሃቦ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ዘቕርቡዉ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ከፅድቕ ኢዩ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒ ዴሞክራሲን፤ ምሕደራ ዳይነት ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ዝምልከት ዘቕረቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ነቲ ኣዋጅ ከፅድቖ ኢዩ ዝብል ትፅቢት እውን ኣሎ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣቢያተ ፍረዲ ፌዴራል ኣመልኪቱ ዘቕርቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ባይቶ ኣብ ናይሎሚ መዓልቲ ኣኼቡኡ፦

– ረቂቕ ኣዋጅ ካፒታል ዕዳጋ ፌዴሪኢ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ።

– ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ዝተገበረ ብገን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ።

– ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ዝተገበረ ኣብ ጉዳያት ገበን ሓበራዊ ምትሕብባር ፍትሒ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ።

– ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ዲፕሎማሲያዊ ወይ ድማ ሰርቪስ ፓስፖርት ንዘሓዙ – -ሰባት ቪዛ ንምትራፍ ዝተገበረ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክመርሕ ኢዩ።

– ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን መፈፀሚ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝረቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ::

– ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ-ምግባር መረፃን ቁፅሪ 1162/2011 ዓንቀፅ 32(2)ን ብግዚያዊነት ንምእጋድ ዘቕረቦ መመሓየሺ መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝመርሕ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment