ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 27 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኮይኑ ዝቐረበሉ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ ተወሳኺ በጀት ዓመተ 2012 ብዝርዝር ንኽረአ መሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢፌዴሪ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 13 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃት ብምዝታይ ብዝዝር ንኽረኣዩ ናብ ቀወምቲ ኮሚቴታት መሪሑ ኣሎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ኣኼቡኡ፥ 27 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኮይኑ ዝቐረበሉ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ ተወሳኺ በጀት ዓመተ 2012 መንግስቲ ፌዴራል ተመልኪቱ።

ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት ናይቲ ተወሳኺ በጀት፥ ብመንግስቲ ዝተዳለወ መመሓየሺ ሃገር በቀል ኢኮኖሚ ምዃኑ ተገሊፁ።

ዋና ዕላማ ናይቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ንዘሎ ማሕለኻ ዝናገፈሉ ናይ ፖሊሲ ስጉምቲታት ተግባራዊ ንምግባር ብር 18 ቢሊየን፥ ንመተግበሪ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ብር 2 ቢሊየን፣ ንመተግበሪ ሃገራዊ ማዕረ ስራሕ ማዕረ ክፍሊት መሃያ ብር 7 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብድምሩ ብር 27 ነጥቢ 8 ቢሊየን ተወሳኺ በጀት ኮይኑ ቀሪቡ ኢዩ።

ተወሳኺ በጀት ዓመተ 2012 መንግስቲ ፌዴራልን ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣሸፋፍና ወፃኢን ነቲ ዝተጀመረ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝሕግዝ ምዃኑ ናብቲ ባይቶ ቀሪቡ።

እቲ ባይቶ ብግድኡ፥ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን መሪሑዎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብተወሳኺ፥ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ልምዓት ፈንድ ስዑድ ዓረብን ንኻልኣይ ሃገራዊ ቀረብ መስተ ማይ፣መፈፀሚ መርሃ ግብሪ ኣቕርቦት፣ ሳኒቴሽንን ሃይጂንን፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ባንኪ ኤክስፖርት ኢንፖርት ኮርያን ንመፈፀሚ መጣየሺ ማእኸል ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዩኒቨርሲቲ ኣዳማ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ  መንግስቲ ፌዴሪኢን ልምዓት ፈንድ ስዑድ ዓረብን ንመፈፀሚ መመሓየሺን መዓበዪን ፕሮጀክት ስራሕቲ መገዲ ደብረ ማርቆስ -ሞጣ ኣድሂቦም ዝተገበሩ ስምምዓት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረቡ ረቂቕ ኣዋጃትብምርማር ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን መሪሑዎም።

እቲ ባይቶ፥ ምድግጋም ኦዲት ወፃኢ ንምትራፍ ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ ነፀላ ኦዲትን ኮርፖሬሽን ግልጋሎት ምርመራ ሒሳብ ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ዝተዳለወ ረቂቕ ደምቢን ብምርማር ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኣመሓዳድራን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ብቀንዱ፤ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ድማ ብተሓጋገዛይነት ንኽረአ መሪሑዎ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰንደቕ ዕላማን መዝሙርን ሕብረት ኣፍሪካን መዓልቲ ኣፍሪካን ኣድሂቡ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ብዝርዝር ንኽረአ ድማ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን መሪሑዎ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment