ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ፈሉይ ኣኼቡኡ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 6ይ ዙር 1ይ ዓመት 1ይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼቡኡ፥ የኢፌዴሪ ኘሬዘዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ 24 መሰከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረበኦ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ ከድምፅ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ረቂቕ ኣዋጅ መወሰኒ ስልጣንን ተግባርን ኣካላት ኣፈፀምቲ መንግስቲ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ሹመት ሚኒስትራት መርሚሩ ብምፅዳቕ ፍሉይ ኣኼባ እቲ ዕለት ከምዝዛዝም ተገሊፁ።

እቲ ኣኼባ፥ ኣብ ዋና መእከቢ ኣዳራሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment