ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ህንዲ ፓስፖርት ዲፕሎማቲክን ሰርቪስን ንዝሓዙ ዜጋታት ቪዛ ንምትራፍ ይሕግዙ ኢዮም ዝተብሃሉ ኣዋጃት መርሚሩ ኣፅዲቑ።
6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሎሚ ተኻይዱ፡፡
እቲ ባይቶ ኣብ ኣኼብኡ÷ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንዲን ፓስፖርት ዲፕሎማቲክን ሰርቪስን ንዝሓዙ ሰባት ቪዛ ንምትራፍ ዝተገበረ ስምምዕነት ኣፅዲቑ።
እቲ ስምምዕነት ዜጋታት ንስራሕ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ዝተሳለጠን ምቹውን ንኽኸውን ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ተፀሪሑ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ባይቶ÷ ኣብ ፣ንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ሊባኖስን ኣብ ዘፈር ምውፋር ስራሕ ዝተፈረመ ስምምዕነት ንምፅቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ንዝርዝር ምርኢት ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምውፋር ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጂን መሪሑ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com