ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ፍሉይ ኣኼብኡ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ፍሉይ ኣኼብኡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃርን ዘስዕቦ ጉድኣት ንምቕናስን ዓሊሞም ዘውፅእዎ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከምዘፅድቕ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ መምርሒ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝዓለመ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ ብምስምዕማዕ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።

እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ንምግባር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ምፅዳቕ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፥ ፅባሕ ኣብ ዝሳለለጥ መበል ካልኣይ ፍሉይ ኣኼባ እቲ ውሳነ ብምምርማር ክፀድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት እቲ ባይቶ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment