ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዝተፈላለዩ ሹመት ሚኒስትራት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓምሻይ ዘመን መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መርሚሩ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ዶክተር ሊያ ታደሰ ሚኒስትር ጥዕና፣ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ንክኾና ሹመተን ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ኣቶ ላቀ ኣያሌው ሚኒስትር እቶት፣ ወይዘሮ ፊልሰን ኣብዱላሂ ሚኒስትር ህፃናት፣ ደቂኣኒስቲዮን መናእሰይን ንክኾኑ ብመሰረት ዝቐረበ ሕፀ እቲ ባይቶ መርሚሩ ሎሚ መዓለት ኣፅዲቑ ኣሎ።

እቶም ሹመታት ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ንዝጎደሉ ሚኒስትራት ንምትካእ ዝዓለሙ እንትኾኑ፥ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረቡ ኢዮም።

እቲ ዝቐረበ ሹመት ብ21 ተቓውሞ ኣብዝሓ ድጋፍ ፀዲቑ።

እቶም ተሸወምቲ ሚኒስትራት ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment