ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ንጉሆ ካብ 3፡30 ጀሚሩ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 6ይ ዙር 1ይ ዓመት 1ይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ፅባሕ ንጉሆ ካብ 3፡30 ጀሚሩ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ፅባሕ ፍሉይ ኣኼቡኡ፥ የኢፌዴሪ ኘሬዘዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ 24 መሰከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረበኦ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ ከድምፅ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ረቂቕ ኣዋጅ መወሰኒ ስልጣንን ተግባርን ኣካላት ኣፈፀምቲ መንግስቲ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ሹመት ሚኒስትራት መርሚሩ ብምዳቕ ፍሉይ ኣኼባ እቲ ዕለት ምዝዛዝም ተገሊፁ።

እቲ ኣኼባ፥ ኣብ ዋና መእከቢ ኣዳራሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡- እቲ ባይቶ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment