ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ናይ 2017 በጀት ዓመት ረቂቅ በጀት ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ረቂቅ በጀት 2017 በጀት ዓመት መንግስቲ ፌዴራል ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበረሉ።

ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝላዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት እውን ኣሎ፡፡

6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሑ ፅባሕ 27 ሰነ 2016 ዓ.ም ካብ ንጉሆ ሰዓት 2፡30 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ መበል 36 ስሩዕ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ፡፡

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 55 (17)ን ብኣሰራርሓን ደንቢ ኣባላትን እቲ ባይቶ ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 81 (3)ን ዓንቀፅ 92 ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2016  መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ጠሚቶም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝለዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ይህቡ፡፡

ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 55 (11)ን ብኣሰራርሓን ደንቢ ኣባላትን እቲ ባይቶ ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 76 መሰረት እውን እቲ ባይቶ ረቂቕ በጀት ዓመት 2017 መንግስቲ ፌዴራል ኣመልኪቱ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ዘቕርቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ብምድማፅ ነቲ ረቂቕ በጀት ከፅቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment