ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሑ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ካብ ንጉሆ 2፡30 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 3ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝገበሩዎ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝቐርቡ ሕቶታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ባይቶ ቅዋም መንግስትቲ ብምስማዕ ነቲ ናይ ድጋፍ ሞሽኑን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተፀዋዕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ክርከቡ ኢዮም፡፡