ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ኣብ ዘካይዶ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 16 ሰሙን ስሩዕ ጉባኤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ክዝቲ ኢዩ።
እቲ ፓርላማ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ጉባኤ ኣብዚ ሰሙን ብተደጋጋሚ እናጋጠመ ኣብ ዝርከብ ጉዳይ ፀፅታን ድሕንነትን ዜጋታት ዓቢዪ ትኹት ሂቡ ከምዝዛተ ትፅቢት ይግበር።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ሃገራዊ ጉዳያት ትኹት ገይሩ ከምዝዛተ ተገሊፁ፡፡
እቲ ባይቶ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓዱሽ ድልድል በጀት ዓመት 2015 ተዛቲዩ ከምዘፅድቕ እውን ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብቲ ጉባኤ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፌዴራል መንግስቲ ዝቐርብ እንትኸውን፥ ኣብቲ ሪፖርት እቲ ባይቶ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝዛተ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com