ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ መበል ሻውዓት ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍቢሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ መበል ሻውዓት ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምድሃብ ከመዝዛተ ተገሊፁ።

ኣባላት ቦርድ ኢትዮጵያ ብሮድካስት ኮርፖሬሽን መሊስካ ንምውዳብ ዝቐረበ ሹመት ኣባላት ቦርድ መርሚርካ ምፅዳቕ፣ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ዝቐርቡ ሕቶታት ኣመልኪተን ብቃል ዝህብኡ ምላሽ ምድማፅ ዘብሉ ካብቶም ኣጀንዳታት ተረቋሕቲ ኢዮም።

ብተወሳኺ ረቂቕ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ከምኡውን መጣየሺ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ንምምሕያሽ ዝቐርብ ረቂቕ ኣዋጅ መመርሚሩ ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment