ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ረቂቕ በጀት 2017 ዓ.ም ብር 971 ነጥብ 2 ቢሊየን ብዝርዝር ንኽረአ መሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝቐረበሉ 971 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ረቂቕ በጀት 2017 ዓ.ም ብምዝታይ ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን መሪሑ።

እቲ ባይቶ÷ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ÷ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዘቕረቡዎ መግለፂ ረቂቕ በጀት ዓመት 2007 መንግስቲ ፌዴራል ሰሚዑ፡፡

ረቂቕ በጀት ዓመት 2007 መንግስቲ ፌዴራል ክሳብ ሕዚ ተግባራዊ እናተገበሩ ዘርከቡን ኣብ ቀፃሊ ንምትግባር ዝተሓሰቡን ከምኡ እውን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ክቕፅል ንምግባርን ዝተዛበዐ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምስትኽኻል ብዝሕግዝ መልክዑ ከምዝተሰናደአ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

ናህሪ ዋጋ ንምቁፅፃር ድማ ፖሊሲ ገንዘብ ዘበናዊ ንምግባር ዘኽእሉ መመሓየሺታት ተግባራዊ ከምዝግበሩ ኣመልኪቶም፡፡

ምንካይ ስግኣት ናይ ወፃኢ ዕዳ ቁመና ፊሲካል ንምምሕያሽ ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ እዚ ድማ ልምዓት ንምቅልጣፍ ዝሕንፀፁ ፕሮጀክታት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ፋይናንሲንግ ንምርካብ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ምስ ኣለቃሕቲ ኣካላት ዝተጀመሩ ድርድራት ምሽግሻግ ዕዳን ምቅላል ዕዳን ውፅኢታዊ ብምግባር እዚ ምዕዋት ከምዝግባእ እውን ኣፅንኦት ብመሃብ ገሊፆም፡፡

እቲ ረቂቕ በጀት ቅድሚት ትኹረት ዝግበረሎም ኣንፈታት ፊስካል ፖሊሲ ኣተውቲን ወፃእቲን፣ እዋናዊ ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚን ኣንፈታት ትኹረት መመሓየሺ ኢኮኖሚን ብዘገናዘበ መልክዑ ከምዝተሰናደአ ኣፍሊጦም፡፡

በጀት ዓመት 2017 መንግስቲ ፌደራል ሓፈሻዊ በጀት ወፃኢ 971 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከመዝኾ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ን2016 በጀት ዓመት ካብ ዝፀደቐ ወፃኢ በጀት ናይ 21 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ በጀት 451 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ንስሩዕ፣ 283 ነጥቢ 2 ንካፒታል ከምኡ እውን 236 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ዝተመደበ በጀት ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝረኣዩ ሰላም ዝህዉኹ ፍፃመታት ናብ ሰላማዊ ኩነታት ክመፅኡ ከምዘዎም ብምሕባር÷ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ማይ፣ መብራህቲ፣ መገዲን መሰረተ-ልምዓትን ትኹረት ንኽገብር ሓቲቶም፡፡

እቲ ባይቶ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ÷ ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን መሪሑዎ።

ብየሻምበል ምህረት

Comments (0)
Add Comment