ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ረቂቕ በጀት 2015 ዓ.ም 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ብር ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ  ቀዳማይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ረቂቕ በጀት 2015 ዓ.ም 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ብር ብዝርዝር ይርእይ ኣሎ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2015 ብዝምልከት መብርሂ ነቲ ባይቶ ይህቡ ኣለዉ።

ምድላው በጀት 2015 መንግስቲ ፌዴራል ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝተቐመጡ ሽቶታት ኣብ ምፍፃም፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ምሕጋዝን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ኣገልግሎታትን መሊስካ ኣብ ምጥያሽ፣ ቀፃሊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ትራንስፎርሜሽን ኣንፈታትን ዕላማታትን ኣብ ምዕዋት ማዕኸል ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ንበጀት ዓመት 2015 ዓ.ም፥ ንስሩዕ ወፃኢ 347 ነጥቢ 12 ቢሊዮን ብር፣ ንካፒታል ብር 218.11 ቢሊዮን ከምኡ እውን ንሓገዝ ክልል መንግስታት ብር 209ነጥቢ 38 ቢሊዮንን ንመፈፀሚ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ብር 12 ቢሊዮን ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2015 ዓ.ም ብር 786 ነጥቢ 61 ቢሊዮን ኮይኑ ቀሪቡ፡፡

ምስ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም እንትነፃፀር ብር 111ነጥቢ 94 ቢሊዮን ወይ እውን 16 ነጥቢ 59 ሚኢታዊ ዕቤት ኣርኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ክመርሕ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment