ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ረቂቕ በጀት 2014 ዓ.ም 561 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ብዝርዝር ንኽረአ መሪሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ  6ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 15 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ረቂቕ በጀት 2014 ዓ.ም 561 ነጥቢ 67 ቢሊየን ብር ብዝርዝር ተዛቲዩ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2014 ብዝምልከት መብርሂ ነቲ ባይቶ ሂቦም።

ብመሰረት እዚ ረቂቕ በጀት መፍረያይነት ንምዕባይ ዝሕግዝን ምስ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ 2014 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ኣገልግሎትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል 162 ቢሊየን ብር፣ ንካፒታል በጀት 183 ነጥቢ 5 ብር፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ 203 ነጥቢ 95 ቢሊየን ብር፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 12 ቢሊየን ብር ብድምር 561 ነጥቢ 67 ቢሊየንን ንክኸውን ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ባይቶ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን መሪሑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment