ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብምምርማር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ኢዩ እቲ ኣዋጅ ኣፅዲቑዎ፡፡
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዘልዐሉዎም ሕቶታት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ እቲ ኣዋጅ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተረጋገአ ብምዃን ፅሬቱ ሓሊዩ ንኽኸይድ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
“እቲ ኣዋጅ ዕላማ እቲ ባንኪ ብግልፂ ከምዘቐመጠ ብምግላፅ÷ ዋና ስራሕ እቲ ባንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ዋጋ ንኽህሉ ምኽኣልን ስርዓት ፋይናንስ ጥዑይ ኮይኑ ክቕፅል ምግባር ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡
ብየሻምበል ምህረት