ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ቦርድ ምርጫ ዝጎደለ ሓደ ኣባል ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሓዱሽ ምርጫ ኣባል ቦርድ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝጎደለ ሓደ ኣባል ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሓዱሽ ምርጫ ኣባል ቦርድ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ሓዱሽ ኣባል ቦርድ ምርጫ ኣይተ ፍቕረ ገብረህይወት እንትኾኑ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩንቨርስቲታት ብመምህርነት ዘገልገሉን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብመምህርነት የገልግሉ ከምዘለዉን ተገሊፁ።

እቶም ሓዱሽ ተመራፂ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ብምቕራብ ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።

ብተወሳኺ ኤክሳይዝ ታክስ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እውን ፀዲቑ።

እቲ ረቂቕ መመሓየሺ ኣዋጅ ካብ 6 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተሓቢሩ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment