ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ብዝበፅሐ መጥቃዕቲ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ጣቢያ ዋጋ ቃንቃ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ መጥቃዕቲ መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖ ገሊፁ።

እቲ ባይቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ከምዝገለፆ፥ ተመሳሰልቲ ገበናት ብተደጋጋሚ እናተፈፀሙ ህይወት ሰላማዊ ሰባት እናጠፍአ ይርከብ።

ስለዝኾነ ድማ፥ መንግስቲ ኣብቲ ዝተፈፀመ ዘስካሕኽሕ ገበን ዝተሳተፉ ገበነኛታት ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ባይቶ፥ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ስጉምቲ እንትወስድ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ኮይኑ ኣድላዪ ሓገዝ ንክገብር እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ድሕንነትን ሰላምን ህዝቢ ንኽሕሎ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምግላፁ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment