ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ስሩዕ ኣኸኼባ ዝቐረበሉ ናይ 2017 በጀት ዓመት መንግስቲ ፌዴራል ተወሳኺ 582 ቢሊየን ብር በጀት ኣፅዲቑ፡፡
እቲ ረቂቕ ተወሳኺ በጀት ኣብቲ ባይቶ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ኣቕሪቦም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ድማ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም።
እቲ ባይቲ ካብዚ ኣብ ረቂቕ እቲ ተወሳኺ በጀት ድሕሪ ምዝታይ ብሰለስተ ተቓውሞን ሓሙሽተ ድምፀ-ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅቑዎ።
ብለይኩን ኣለም